top of page
ስድራ-ቤት
family 5_edited.jpg

ዓውዲ ስድራ-ቤት

ብመሰረት መምርሒ Immigration and Refugee Protection Act ዜጋታትን ቀወምቲ ነበርቲ ካናዳ (Canadian and permanent residents): ንሰብ-ሓዳሮም፡ ትሕቲ 22 ዝዕድሚኦም ደቆምን፡ ኣብ ድሩት ኩነታት ከኣ ንወለዲ፡ ኣባሓጎን እኖሓጎን ከምኡ እውን ኣዝማድ፡ ስፖንሶር (ንኽናብዩ) ዘኽእሎም መንገዲ ይኸፍተሎም እዩ። ነብሲ-ወከፍ ንኡስ ክፋል ናይዚ ዓውዲ ስድራ-ቤት፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ፡ እቲ ኣመልካቲ ብቑዕ ድዩ ኣይብቑዕን ዘመምዮ መምዘኒታትን ኣተረጓጉማን፡ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኩሉ ክፋላት ናይቲ ዓውዲ ስድራ-ቤት ንልዕሊ 12 ዓመታት ተሞክሮ ኣሎና። እዚ ኣብዚ ዌብ ሳይት ኣስፊርናዮ ዘለና፡ ነቲ ዝዓበየ ክፋል ዓውዲ ስድራ ዝሓዘ እዩ።

ንሰብ ሓዳር ስፖንሶር ናይ ምግባር መስርሕ

ዜጋታት ካናዳን ቀወምቲ ነበርቲን ካናዳን፡ ንሰብ ሓዳሮም ኣብዚ ኣብ ካናዳ ቀዋሚ ነበርቲ ንኽኾኑ፡ መመልከቲ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለዎም። የግዳስ፡ እቲ ስፖንሶር ዝግበር ሰብ፡ ቪዛ ቐዋሚ መንበሪ ክቕበል እንተደኣ ኾይኑ፡ ነቲ ግድን ከማልኦ ዝግባእ መመመዪ ይበቕዖ ዲዩ ኣይበቅዖን ክፍለጥ ኣለዎ።  ብተወሳኺ፡ ናብ ካናዳ ንምእታው ዝኽልክሎ ነገር፡ ኣሎ ዲዩ የልቦን? ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ክምልስ ክኽእል ኣለዎ።  ልክዕ ከምቲ ናይ ብዙሓት መደባት ኢሚግረሽን፡ ነቲ ስፖንሶር ዝኸውን ዘሎ መጻምድቲ፡ ቪዛ ዝፈቕድ እቲ ኢሚግረሽን ኦፊሰር እዩ።  ዝበዝሕ ግዜ፡ ከም ኣብነት ዝጥቐስ፡ ንመጻምድቲ ስፖንሶር ንምግባር፡  ዝቐርብ መመልከቲ ዝንጸገሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝተፈጸመ መርዓ ሓቐኛ ኣይኮነን፡ ወይ ከኣ እቲ መርዓ ዝተፈጸመ፡ ነቲ ኣመልካቲ ናብ ካናዳ ንምምጻእ ዝዓለመ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሉ፡  እቲ ኢሚግረሽን ኦፊሰር ምስ ዝኣምን እዩ።  ካብ ምንጻግ ወይ ከኣ ኣብ መስርሕ ካብ ዘጋጥሙ ምድንጓያት ንምድሓን፡ እቲ መመልከቲ፡ ነቲ ብዝርዝር ዝተሓተተ ኣገዳሲ ሓበሬታን፡ ንዕኡ ዝድግፍ/ ዘእምን ሰነዳትን፡ ኣማሊእካ ምቕራብ ናይ ግድን ይኸውን። ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም ስፖንሶር ንምግባር፡ ሞያዊ ሓገዝ እንተደሊኹም፡ ተወከሱና፡ እንዳተሓጐስና ከነገልግለኩም።

ትሕቲ--ዕደመ ደቒ ስፖንሶር ምግባር

ዕድሚኦም ትሕቲ 22 ዓመት ዝኾኑ፡ እሞ ዘይተመርዓው ደቒ፡ በቶም ቀወምቲ ነበርቲ ወይ ከኣ ዜጋታት ካናዳ ብዝኾኑ ወለዶም፡ ስፖንሶር ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓውዲ ኢሚግረሽን፡ ቪዛ ክርከብ እንተደኣ ኾይኑ፡ እቲ ስፖንሶር ዝገብር ወላድን፡ እቲ ስፖንሶር ዝኸውን ዉላድን፡ ኣብ ሞንጐኦም ዘሎ ዝምድና / ርክብን ከመስክርን፡ ካልእ ናብዛ ሃገር ንምእታው፡  ዝኽልክሎ ነገር ከይህሉ  ንዝጠልብ (admissibility requirements) መምዘኒታት፡ ከማልእ ክኽእል ኣለዎ።  ንዉላድኩም ስፖንሶር ንምግባር፡ ሞያዊ ሓገዝ እንተደሊኹም፡ ተወከሱና፡  ብሕጉስ መንፈስ ከነገልግለኩም።

ዘኽታማት ኣዝማድ)

ብመሰረት መምርሒ ዓውዲ ስድራ-ቤት፡ ዜጋታትን ቐወምቲ ነበርቲ ካናዳን፡ ዕድሚኦም  ትሕቲ 18 ዓመትን ዝኾኑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን፡ ደቂ ሓዎምን ደቒ ሓብቶምን ስፖንሶር ክገብሩ ይኽእሉ። እቲ ስፖንሶር ዝገብር ሰብ ድማ፡ ንኣታዊታቱ ብዝምልከት ብዉሑዱ  ከማልኦም ዝግባእን  መምዘኒታት (minimum income requirements) ክሳብ ዘማልአ፡ ብመገዲ መደብ ዘኽታማት ኣዝማድ (orphaned relative category) ከመልክት ይኽእል እዩ።  ሓደ ሰብ፡ ከም ዘኽታም ክቑጸር እንተደኣ ኾይኑ፡ ክልቲኦም ወለዱ ምዉታት ምዃኖም መረጋገጺ ከቕርብ ግድን እዩ።  ነቲ ዘኽታም ዘመድኩም፡ ስፖንሶር  ንምግባር ሞያዊ ሓገዝ እንተደኣ ደሊኹም፡ ተወከሱና።

ካልኦት ኣዝማድ

ዜጋታትን ቐወምቲ ነበርትን ካናዳን፡ ዕድመ ናይቲ ስፖንሶር ክኸውን ዝሕሰብ ዘሎ ሰብ ብዘየገድስ፡ እቲ ናባዪ ብሂወት ዘሎ በዓል-ሓዳር፡ ዉላድ፡ ወላዲ፡ ኣባሓጎ ወይ እናሓጎ፡ ዘኽታም ሓዊ፡ ዘኽታም ሓብቲ፡ ዘኽታም ወዲ ሓዊ ወይ፡ ዘኽታም ወዲ ሓብቲ፡ ዘኽታም ጓል ሓዊ ወይ ዘኽታም ጓል ሓብቲ፡ ደቒ ደቒ ዘይብሉ እንተደኣ ኾይኑን፡ ዝኾነ ካልእ ዘመድ ስፖንሶር ክገብር ይኽእል እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ነቲ ከማልኦ ዝድለ / ዝጥለብ ረቛሒታት ክበቕዕ እንተደኣ ኾይኑ፡ እቲ ስፖንሶር፡ ኣብ ካናዳ ዝኾነ ይኹን ካናዳዊ ዜጋ፡ ቐዋሚ ናባሪ ካናዳ ዘመድ (እንተላይ ሓትነታት፡ ኣሞታት፡ ኣኮታት፡ ሓወቦታት ወይ ከኣ ዝኾነ ከም ዘመድ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ) ክህልውዎ የብሉን። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ተወከሱና።

REFUGEE 5_edited.jpg

ምንባይ /ስፖንሶር ስደተኛ

ብመገዲ መደብ ምንባይ ስደተኛታት ብብሕቲን (private sponsorship of refugees, abbreviated as ‘PSR’) ብመገዲ ብመንግስቲ ዝሕገዙ ስደተኛታት (government assisted refugees, abbreviated as GARS) ካብ ካናዳ ወጻኢ ዘለው ስደተኛታት፡ ናብ ካናዳ ከም ቀወምቲ ነበርቲ ኮይኖም ንኽመጹ ዘኽእል ኣካል ዳግመ-ምስፋር ስደተኛ ብ (refugee and humanitarian resettlement program) ዝመሓደር ዓውዲ እዩ። ኣብቲ ብብሕቲ ዝካየድ፡ መደብ ምንባይ ስደተኛታት (private sponsorship of refugees) እቶም ናበይቲ (ስፖንሰራት) ፡ ነቲ ንመጣጥሒ ናብራ/ መትከል እግሪ ዘድሊ ደገፋት፡ ነተን ናይ መጀመርታ 12 ኣዋርሕ ወይ ከኣ እቲ ስደተኛ  ርእሱ ክሳብ ዝኽእል፡ ካብ ክልቲኡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተኸስተ ብምውሳድ፡ ሓገዝ ክህቡ ምዃኖም ይመባጽዑ።  ካናዳ፡ ነዚ ብብሕቲ ዝካየድ መደብ ምንባይ ስደተኛታት ዘካየደት ፈላሚት ሃገር እያ። ትካልና ናይ ልዕሊ 12 ዓመት ዉሕሉል ክእለትን ተሞክሮን ኣለዋ፤ ነቶም ናበይትን ስደተኛታትን ፡ ብመደብ ጉጅለ ሓሙሽተ (Groups of Five) ፡ ከምኡ እዉን ብመደብ ኮሚዩኒቲ፡ (Community Sponsorship streams) ኣቢላ ሞያዊ ሓገዝ ንዓማዊል ትህብ።

መደብ ጉጅለ ሓሙሽተ

ንኡስ ክፋል ምንባይ ስደተኛታት ብብሕቲ ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ወይ ካብኡ ዝያዳ ዝኾኑ ካናዳውያን ወይ ከኣ ቀወምቲ ነበርቲ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ስደተኛ፡ ኣብ ካናዳ ኣምጺኦም ክናብይዎ፡ ምስ መንግስቲ ካናዳ  ውዕል ዝኣትዉሉ እዩ። እዚ ዝፍጸም፡ እቶም ስፖንሰራት፡ ምስቲ ብዝሒ ስድራ ቤት ናይቲ ስደተኛ ዝሳነ፡ እግሪ ዘትክል እኹል ዉጥን  መናበዩ ስደተኛ ዘለዎም ምዃኑ፡ ኣብቲ ፎርምታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ዘርእዩ እዩ። እቶም ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፡ ነቲ ስደተኛ ወይ ንስድራ-ቤቱን ክሳብ 12 ኣዋርሕ ወይ’ውን እቲ ስደተኛ ርእሱ ክሳብ ዝኽእል፡ ካብ ክልቲኡ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ብምውሳድ፡ እግሪ ከትክልዎን ክድግፍዎን፡ ካብ ገንዘቦም ኣዉጺኦም ፡ ወይ ከኣ ካብ ኣታዊኦም መብጽዓ ገይሮም፡ ወይ ከኣ ገንዘብ ካብ ዝተፈላለዩ ወፈይቲ ክእክቡ ይኽእሉ እዮም። እቶም ፎርምታት፡ ንምምልኦም ቀለልቲ ኮይኖም ክርኣዩ ይኽእሉ ይኾኑ። እንተኾነ፡ እቲ እናሻዕ ዝቐያየር መምርሒታት፡ ንሰነዳት ዝምልከቱ ጉዳያት (documentation): እቲ መስርሕ ዝጠልቦም  ደቐቕቲ ግን ከኣ ጥንቃቐ ዘድልዮም ዝርዝራውያን ነገራት ስለ ዘለው፡ ዝለዓለ ምስትብሃልን ሞያዊ ክእለትን ዝሓትት ስራሕ እዩ።

ስፖንሶር ብኮሚዩኒቲ

ነቲ ሕጋዊ ህልውና ዝለበሰ: ብኣገባብ ኮርፖረሽን ዝቖመን ዘይቖመን ዋኒን ንግድ ወይ ማሕበር (an incorporated and unincorporated business or association) ዝምልከት እዩ።  እቲ ትካል፡ ነቲ መብጽዓ ምንባይ ናይቲ ስደተኛ ንኸማልእ፡ ዓቕሚ ገንዘብን መትከል እግሪ /መጣጥሒ ናብራን ዘለዎ (financial and settlement capacity) ኾይኑ፡ እቲ ዝቕመጠሉ ቦታ፡ ኣብቲ እቲ ስደተኛ ክሰፍረሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ቦታ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ኮሙዩኒቲ ስፖንሰራት፡ ኣብቲ መመልከቲ ዝተሓተተ ኣገዳሲ ሓበሬታ፡ ነዚ ዝድግፍ / ዘእምን ሰነዳት ኣማሊኦም ከቕርቡ ግድን ይኸውን።  እቶም ኮሙዩኒቲ ስፖንሰራት፡ ነዚ ዓቕምታት እዚ ከም ዘለዎምን፡ ነቶም ሰደተኛታት ከም  ንያታዊ ማሕበራዊ ደገፋትን ዝህብዎምን፡  ክሳብ እቲ ዝተሓተተ ግዜ፡  ሓገዝ ክገብሩሎም ምዃኖም መረጋገጺ / መርትዖ ከቕርቡ ግድን ይኸውን።

ሓደ ካብቲ ንስደተኛ ብመገዲ  ምንባይ ስደተኛታት ብብሕቲ፡ ብጉጅለ 5  ወይ ብማሕበረ-ሰብ (ኮም) ስፖንሶር ንምግባር ብቑዕ ዝገብሮ  ረቛሒታት፡  እቲ ቐንዲ ኣመልካቲ ስደተኛ ፡ ነቲ መመልከቲ ቕድሚ ናብ Immigration Canada ምእታዉ፡ ስደተኛ ምዃኑ (full refugee status )ዝተመስከረሉ፡  ነዚ ዘረጋግጽ ሰነድ ክህልዎ የድሊ።፡ እዚ ማለት ንምውሳን ስልጣን ዘለዎ ኣካል፡ እቲ  ኣመልካቲ ስደተኛ እዩ ዘብሎ ምኽንያት ዓጊቡሉ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ስልጣን ዘለዎ ኣካል፡ UNHCR (ኮሚሽነር ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት) ወይ ከኣ እቲ  መንግስቲ ናይ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ናይቲ እቲ ስደተኛ ዝነብረሉ ዘሎ ሃገር (ወጻእተኛ መንግስቲ) ክኸውን ይኽእል።  ነዚ ብዝያዳ ንምብራህ፡ ሓታቲ ዑቕባ (asylum seeker) በዚ መደብ Group of 5፡ ስፖንሶር ክግበር ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሓታቲ ዑቕባ (asylum seeker) ፡ ምስ ሓደ ስደተኛ ምዃኑ ዝተመስከረሉ፡ (full status) ዘለዎ ሰብ ሓዳር ዝተጻመደ እንተኾይኑ፡ ብሓባር ስፖንሶር ክግበር ይኽእል እዩ።

ዕማም መጋብኣያ - ቦርድ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን  ካናዳ - [Immigration & Refugee Board of Canada (IRB)]

ቦርድ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን ካናዳ IRB (Immigration and Refugee Board of Canada) ነቲ ኣብ ጉዳያት ኢሚግረሽንን ሰደተኛታትን ፍርዲ ናይ ምሃብ ስልጣን ዘለዎ: ብመገዲ ኣርባዕተ ኣሃዱታት / ጨናፍራት ኣቢሉ የተግብር።  ነዚ ሞያዊ ኣገልግሎት ከነቕርብ ካብ ዝጀመርናሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣቶ ተወልደ ዮሃንስ፡ ንሰብ ሓዳር (spousal sponsorship appeal) ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ይግባይ ምቕራብ፡ ንሓተትቲ ዑቕባን (refugee claimants) ዉጽኢታዊ ዝኾነ፡ ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ እዩ።

ዑቕባ ስደተኛ ዝሕተተሉን ይግባይ ዝበሃለሉን

ብሰንኪ እቲ ዘለዎም ዘርኢ፡ ሃይማኖት፡ መንነት፡ ፖለቲካዊ ርእይቶ፡ ወይ ኣባልነት ኣብ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ፡ ይህደኑ ብምህላዎም፡ ሱር ዝሰደደ ፍርሒ ዝሓደሮም ምዃኑ ዘመስክሩ ወጻእተኛታት፡ ኣብ ካናዳ ዑቕባ ስደተኛ ንኽወሃቦም ንምሕታት፡ መመልከቲ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።  እንድሕር ደኣ ዑቕባ ዝግብኦም ምዃኑ ዘመስክር፡ ኣብ ሂወቶም ዝገጠሞም ሓደጋ ወይ ስቕያት፡ ብጨካንን ዘይንቡር ኣተሓሕዛ ዝሓለፉ ወይ ካብታ ዝመጹላ ሃገር መቕጻዕቲ ዝወርዶም ምዃኑ፡ ብብቑዕ ኩነታት ከመስክሩ እንተደኣ ኪኢሎም፡ ካናዳ  ዑቕባ  ትህቦም እያ።  እቲ ምሕታት ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ካናዳ፡ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ናብቲ ሃገረ ካናዳ ንምእታው እግሮም ዘንበሩሉ ኣፍ ደገ (Port of Entry) ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ስደተኛታትን ካናዳ (IRCC) ክቐርብ ይኽእል እዩ።  እቲ ኣሃዱ ወሃቢ ዑቕባ ስደተኛ (Refugee Protection Division) ፡ ነቲ ኣብ ካናዳ ዝቐርብ ጥርዓን / መመልከቲ ምሕታት ዑቕባ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ስምምዕ ጀነቭ (International Geneva Convention) ኣብ መጋብኣያ፡ ነቲ ጉዳይ ይሰምዕን ዉሳነ ይህብን። በቲ ሕጊ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን (Immigration and Refugee Protection Act) ከኣ ይትግብር። እቶም፡ እወታዊ (positive) ዉሳነ ዝረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ዑቕባ ዝተዋህቦም ሰደተኛታት (protected persons) ወይ ከኣ ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ተባሂሎም ይጽውዑ።  እቶም ሰባት፡ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኸመልክቱ ብቑዓት ይኾኑ። እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሰባት ከኣ፡ ናብ Refugee Appeal Division (RPD) ንይግባይ ስደተኛ ናብ ዝዳኒ ኣሃዱ፡ ከመልክቱ ይኽእሉ:፡  እቲ ንይግባይ ስደተኛ ዝዳኒ ከኣ፡  ነቲ ኣሃዱ ዑቕባ ስደተኛ  (Refugee Protection Division) ዝሃቦ ዉሳነ፡ ከም ዘለዎ ክቕበሎ ወይ ድማ ክነጽጎ ይኽእል። እንተደኣ እስኹም ወይ ኣባል ስድራ-ቤትኩም፡ መመልከቲ / ጥርዓን ዑቕባ ስደተኛ ኣብ ካናዳ ከተቕርቡ ደሊኹም፡ በቲ ዘለና ሞያዊ  ብቕዓትን ተሞክሮን፡ ክትግልገሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ምቕራብ ይግባይ ኣብ ኢሚግረሽን

ኣሃዱ ይግባይ ኢሚግረሽን (Immigration Appeal Division) ፡ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኢሚግረሽን፡ ኣብ መጋብኣያ ናይ ምስማዕ ሕጋዊ ስልጣን ኣለዎ፡

  • ብሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን፡ ስደተኛታትን ዜግነትን (IRCC) ኤምባሲታት ካናዳ ዝተነጽጉ፡ ጉዳይ ይግባይ  ስፖንሶርሺፕ ስድራ-ቤት  ብዝምልከት (ንኣብነት ዝተነጽገ ጉዳያት ስፖንሶርሺፕ ሰብ ሓዳር)

  • ይግባይ ናይቶም፡ ካብዚ ሃገር ንኽወጹ ዝተበየነሎም ቐወምቲ ነበርቲ፡ ዑቕባ ዝተዋህቦም ስደተኛታትን ቪዛ ቀዋሚ ነባርነት ዝሓዙ ሰባትን ጉዳይ ይግባይ

  • ብካብ ካናዳ ወጻኢ፡ ብዝርከብ በዓል መዚ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን ዜግነትን፡ (IRCC) ነቲ ከም ቀወምቲ ነበርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ግዴታታት፡ ከየማልኡ ዝተረኽቡ ጉዳይ ይግባይ

ሓደ ስፖንሶር ብዓውዲ / መደብ ስድራ-ቤት ኣቢሉ፡ ንናይ ሓዳር መጻምድቲ ስፖንሶር ንምግባር፡ በቲ ቤት ጽሕፈት ቪዛ (Visa Office) ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘቕረቦ መመልከቲ፡  ምስ ተነጽገ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት፡ ጥርዓን ይግባይ ከቕርብ ይኽእል።  እዚ ኣብቲ መጋብኣያ፡ ኣሃዱ ይግባይ ኢሚግረሽን (Immigration Appeal Division) ፡ ዝምርመር  ጉዳይ ናይቲ ይግባይ፥ ተጻባኢ ሃዋህው  ዝእንገደሉ (adversarial process) መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ፡ ኣንጻር እቲ ይግባይ በሃሊ፡ ዝምጉት ጠበቓ ናይቲ ሚኒስተር  ዝሳተፈሉ እዩ። ኣባል ናይቲ ቦርድ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን ካናዳ IRB (Immigration and Refugee Board of Canada) ፡ ነቲ ዝቐረበ ምስክርነት ቓልን ዝተሰነደ መረጋገጺ/ መርትዖን  ብምምዛን፡ ዉሳነ ናይ ምሃብ ስልጣን ኣለዎ።  እንተ ደኣ እቲ ዘቕረብኩሞ ናይ ስፖንሶርሺፕ ስድራ-ቤት family class sponsorship application ተነጺጉ ወይ ከኣ ጉዳይኩም ኣብ መጋብኣያ ናይ ምስማዕ ገጹ ዝኸይድ እንተመሲሉ፡ ንዓኹም ወኪልና፡ ኣብቲ መስርሕ ክንሕግዘኩምን፡ ሞያዊ ኣገልግሎት ክንህበኩምን ንኽእል ኢና።

ምንባይ /ስፖንሶር ስደተኛ
visitor 3_edited_edited_edited.jpg

በጻሕቲን 
ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት፡ ከም በጻሕቲ ሃገር፡ ከም ተመሃሮን ከም  ግዝያዊያን ሰራሕተኛታት ኮይኖም ናብ ካናዳ ይመጹ እዮም።  ትካልና፡ ካብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ንዝመጹ ዉልቐ-ሰባት፡ መብጽሒ/ መዛወሪ፡ መምሃርን ስራሕ መስርሕን ፍቓድ፡ ንምርካብ ዘድልዮም መመልከቲ (application) ብመገድና ብጽፉፍ ንኸቕርቡ ዘኽእሎም ዓቕሚ  ኣጥርያ ትርከብ።

ንወለድን ንኣባ ሓጐታትን እኖሓጐታትን ዝወሃብ ሱፐር ቪዛ

እቲ መስርሕ ምንባይ (ስፖንሶር ምግባር) ናይቶም ነቲ መምዘኒታት ብግቡእ ዘማልኡ ወለዲ፡ ኣባሓጐታትን እኖሓጎታትን ዝበዝሕ ግዜ  ክቀያየር እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እቶም ነዚ ዓውዲ እዚ፡ ብቑዓት ዝኾኑ ዜጋታት ካናዳን ቐወምቲ ነበርትን፡ ነቶም ወለዶም ብመገዲ ሱፐር ቪዛ (super visa) ዕድመ ክሰዱሎም ይኽእሉ እዮም። እቲ ስፖንሶር፡ ነቲ ናይ ግድን ብዉሑዱ ከማልኦ ዝግባእ መምዘኒታት፡ ክሳብ ዘማልአ እዋን፡ ምስ ወለዱ ንምጽንባር፡ ብተዛማዲ ኣገላልጻ፡ እቲ ዝቐልጠፈን ሕስር ዝበለ ኣገባብ እዩ። ሓደ ወላዲ፡ ብመገዲ እዚ ፕሮግራም እዚ፡ እንተደኣ ናይ በጻሒ ቪዛ (visitor visa) ተፈቒዱሉ፡ ከም ልሙድ ዝዝውተር፡ ብዙሕ ግዜ ኣእትዩ ከውጽኣሉ ዘኽእሎ ቪዛ (multiple entry visa) ፡ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ፓስፖርቱ ዝወድቐሉ ዕለት ወይ ከኣ ንዓሰርተ ዓመታት ፡ ካብ ክልቲኡ ኣቀዲሙ ዝተኸስተ፡ ይወሃቦ። እቶም ወለዲ ሓንሳብ ኣብ ካናዳ ምስ በጽሑ፡ ክሳብ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ንኽጸንሑ ዘፍቕደሎም ሰነድ ይረኽቡ። ተወሳኺ ግዜ ከም በጻሒ ንኽጸንሑ፡ መመልከቲ (application) ብምቕራብ ክናዋሕ ይኽእል።  ብመገዲ ፕሮግራም ሱፐር ቪዛ (supervisa)፡ ንወለድኹም ክትዕድሙ እንተደኣ ደሊኹም፡ ተወከሱና።

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ
CITIZENSHIP 6_edited.jpg

ዜግነት

ዜግነት ካናዳ ዝወሃበሉ

ንቐወምቲ ነበርቲ ብዝምልከት፡ ሽሕኳ እቲ ሕጊ: መሰል ናይ ምንባር፡ ምስራሕን ምጽናዕን (ምምሃርን) መሰል ዘውህብን እንተኾነ፡ እዞም መሰላት እዚኣቶም፡ ብሓደ ሓደ ኩነታት ምኽንያት ክምንጠሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኹነታት እዚ፡ ንኣብነት፡ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፡ ዘይኮንኩሞ ከም ዝኾንኩሞ ጌርኩም ሰነድ ብምቕራብ (proof of misrepresentation) ዝተቐበልኩሞ ፍቓድ ምዃኑ መረጋገጺ እንተተረኺቡኩም፡ ወይ ከኣ ከቢድ ገበናዊ ተግባር እንተፈጺምኩም፡ ወይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ብድምር ንልዕሊ 730 መዓልታት ዝኣክል፡ ኣብ ካናዳ ዘይተቐመጥኩም እንተኾንኩም እዩ። የግዳስ፡ እቲ ዜግነት፡ ነቲ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ብምትላል ዝረኸብኩሞ ክሳብ ዘይኮነ፡ ካብ ካናዳ ተገዲድኩም ንከይትወጹ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዝገብረኩም እዩ። ዜግነት፡ እንተላይ መሰል ናይ ምድማጽ (ድምጽኻ ናይ ምሃብ)፡ ዝያዳ ዕድል ናይ ምንቕስቓስን /ካብን ናብትን ምጉዕዓዝን/  ንገለ ገለ ጥቕምታት (benefits) ንኽትረኽቡ እውን የኽእለኩም እዩ።

ቐወምቲ ነበርቲ፡ ኣብ ካናዳ ክነብርዎ ዝግባእ ግዜን ከማልእዎ ዝግባእ ንቛንቛ ዝምልከት መምዘኒታት ኣማሊኦም፡ መርመራ ዜግነት ዝሓለፉ ክሳብ ዝኾኑን፡ ንካናዳዊ ዜግነት ይበቕዑ እዮም። ትካልና፡ ነቲ ግድነት ክቐርብ ዘለዎ መምዘኒታት ዘማላእኩም ምዃንኩም፡  ነቲ ዉሳነ ዝህብ ኣካል ኣብ ምእማን ሓገዝ ክህበኩም ይኽእል እዩ።

ዜግነት
humanitarian_edited.jpg

ብመሰረት፡ ዓንቐጽ A/ 25(1) ሕጊ ኢሚግረሽንን ሓለዋ ስደተኛን ናብ ካናዳ ንምእታው ዝኽልክሎም ነገር ዘለዎም፡ ወይ ከኣ ንቐዋሚ ነባርነት ከመልክቱ ብቑዓት እኳ እንተዘይኮኑ፡ ጉዳዮም ሰብኣዊ ኣተኣላልያ ዘድልዮን ከብድኻ ዝበልዕን ጉዳይ ኢዩ ኢሉ ብምውሳድ፡ ካብቲ ነቲ ሕጊ ንኸማልእዎ ዝግባእ ሕድገት ተገይርሎም፡ ካብዚ መምዘኒ ናጻ ኮይኖም፡ ንቐዋሚ ነባርነት ንኸመልክቱ ይፍቀደሎም እዩ። ካብቲ ዝውቱር ብዝተፈልየ ኣገባብ፡ ነቲ እቲ ኣመልካቲ ዘጋጥሞ መከራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንቖልዑት የርብሕ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ፡ እቲ ኣፊሰር፡ ፍቓድ ቐዋሚ ነባርነት ክህብ  ይኽእል እዩ። እወታዊ መልሲ ናይ ምርካብ ዕድል፡ ክብ ክብል ምእንቲ፡ ኣብቲ ኣገባብ ኣመላልኣ፡  ናይቶም ግድን ዘድልዩ ነገራትን፡ ኣብቶም ንዓዓቶም ዝምልከቱ መትከላትን  ዓሚቚ ኣፍልጦ ምውናን፡ ብብእዋኑ  ናይ ዝወጹ፡ ቕድሚ ሕጂ ኣብያተ ፍርዲ ዉሳነ ዝሃቡሎም፡ ዘእምኑ ሓደስቲ ጉዳያት (case laws) ተሞርኲሶም ዝወጹ ሕግታት፡ ዓሚቚ ፍልጠት ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።

ሰብኣዊነትን

We are located at:

         777 8 Ave. SW, Unit 2300/45

         Calgary, AB T2P 3R5, Canada

         info@humanestmigration.com

         +1 403 474 0342

  Fax:               +1 866 906 0813

  WhatsApp:    +1 403 399 9739

Office Hours

 

   Mon - Fri     9:00 AM - 6:00 PM

   Saturday     By appointment only

   Sunday       Closed

Contact Us

© 2022 Humanest Migration Corp.

RCIC sign.jpg
Logo-CAPIC-2.jpg
bottom of page