top of page
ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል

ኣገልግሎት ሞያዊ ምምኽኻር

ADVICE_edited.jpg

ንምምኽኻር ኢልና ኣብ እነካይዶ ናይ መጀመርታ ርክብ፡ ዓማዊልና ዘድልዮም ነገራት (needs) ኣቕሊብና ንሰምዕ። ነቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣገባባት ኢሚግረሽን፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝከይድ መስርሕ መመልከቲ (application process) ንገልጸሉ።  እቲ ኣመልካቲ: ነቲ ዝደልዮ ዘሎ ዓውዲ ኢሚግረሽን፡ ዝበቕዖ ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ እቲ መመልከቲ ዝህልዎ ደረጃ ናይ ምዕዋት: ምስቲ ጉዳይ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ወጻኢታት (cost) ይትንትን:: ነዚ ስራሕ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ካልካሪ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ብኣካል ፡ ወይ ከኣ ምስቶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም ዝርከቡ ዓማዊል፡ ብመገዲ መራኸቢታት ቴክኖሎጂ (virtually) ነካይድ። ነዚ ሞያዊ ኣገልግሎትና ንኽጥቐሙ ዝደልዩ ዓማዊልና፡ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ብቑጽሪ ስልኪ 403 474 0342 ብምድዋል ወይ ከኣ ዉልቓዊ ሓበሬታታትኩም ብስቱር ብዝተሓዘሉ (confidential) ‘ርኸቡና፡ (contact us) ኣብ ዝብል ዓምዲ ኣብ ዌብ ሳይትና፡ ክትረኽቡና ትኽእሉ። ንዝኾነ ዓይነት ጉዳይ ኢሚግረሽን ናይ መማኸሪ ክፍሊት(consultation fee) ነኽፍል እኳ እንተኾንና፡ እቲ ክፍሊት ኣብቲ ምሉእ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብ ዝተሰማምዑሉ ዋጋ ይሕሰበሎም/ይጐድለሎም።

ኣገልግሎት ሞያዊ ምምኽኻር

ምሉእ ዉክልና

REPRESENTATION 3_edited_edited_edited_edited.jpg

ዝበዝሑ ካብቶም ከነማኽሮም ዝዉከሱና ዓማዊልና፡ ዝተጻፈፈ ጥርኑፍ መመልከቲ (application package) ንኸነዳልወሎምን፡ ነቲ መስርሕ ተኸታቲልና፡ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖን፡ ምሉእ ውክልና (Full Representation) ይህቡና።  ነቲ ዝጥለብ ዶኩመንትታትን ሓበሬታታትን ምስ ተንተንናዮ ፡ ነቲ ዓሚል ነቲ ዘድሊ ቕጥዕታት/ ፎርምታት ንኽመልእ  ንሕግዞ። ብድሕርዚ፡ ነቲ መመልከቲ ንፊርማ ድሉው ንገብሮ።  ደረጃ ጽፈት / ብቕዓት (quality assurance) ክንሕሉ ክንክእል ምእንቲ፡ እቲ ዝተዳለወ ምሉእ ትሕዝቶ መመልከቲ (application package) ዳግማይ ዝተራእየ ዝተመርመረ ምዃኑ ነረጋግጽ።  ነቲ ኣብቲ ፎርምታት ዘሎ ሓበሬታን፡ ንዕኡ ዝድግፍ ዶክመንትታትን፡ ዳግማይ  መርሚርና፡ ዝተማልአ መመልከቲ ኣብ ምቕራብ ድልዱል ተሞክሮ ኣኻዕቢትና።   ዝተጻፈፈ፡ መመልከቲ ኣሰናዲእካ ምልኣኽ  መለለይና  ክኸውን ኢና ኩሉ ሳዕ እንህቕን። እዚ ኣገልግሎት ምሉእ ዉክልና (full representation service) ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣቐዲሙ ዝተወሰነሉ ዋጋ (fixed price) ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣኼባ ምምኽኻር (consultation meeting) ምስ ተኻየደ፡ ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝወሰን እዩ።

እቲ መመልከቲ (application) ናብ መንግስቲ ምስ ተላእኸ፡ ንሕና ከም ሕጋዊ ተወካሊ ናይቲ ዓሚል (authorized representative) ፡ ምስቲ ነቲ መመልከቲ ፕሮሰስ ዝገብሮ፡ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ካናዳ፡ ምጽሕሓፋት ንገብር። እንድሕር ደኣ እቲ ፕሮሰስ (መስርሕ)፡ ካብቲ ‘ክወስድዩ ተባሂሉ ተገሚትዎ ዘሎ ግዜ ‘estimated processing time’ ዛይዱ፡ እቲ ፋይል በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምፍላጥ፡  ነቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ንዉከስ። ዕዉት ዉጽኢት ንምርካብ፡ ምስቲ ዝተፈላለያ ኤምባሲታትን ጨናፍር ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽንን እንዳተራኸብና፡ ንልዕሊ 12 ዓመታት ዘማዕበልናዮ ልዙብ ሜላ፡ ተሞክሮን ዲፕሎማሲያዊ ክእለትን ነዘውትር። እንድሕር ተወሳኺ ሰነዳት ዝጥለብ ኮይኑ፡ ነቲ ስግኣታት ናይቲ ኢሚግረሽን ኦፊሰር ንምቕንጣጥ ብዝሕግዝ ኣገባብ፡ ኣብቲ ዘማዕበልናዮ ተሞክሮን ትምህርቲ ሕግን ተሞርኲስና፡ ዘእምን ሕጋዊ ጽሑፋት (legal arguments) ነቕርብ። ሓደ ዓሚል፡ ንኢንተርቪው እንተ ተጸዊዑ፡ ሓገዝቲ ዝኾኑ ምዕዶታት እንዳካፈልና፡ ድሉው ንገብሮ።  እቲ ቁጽሪ ናይቶም ዉክልና ተቐቢልና፡ ዘዐወትናዮም ዓማዊልና ልዑል ደረጃ ምብጽሑ፡ ሓበን ይስመዓና።

ምሉእ ዉክልና
TIME FOR REVIEW_edited_edited.jpg

ኣገልግሎት ምርኣይ /ምምርማር  ብዓሚል ዝተዳለወ መመልከቲ

እቲ ባዕልኹም ዘዳለኹምዎ መመልከቲ (application)፡ በቲ ምኩር በዓል ሞያ፡ ብጥንቓቐ ከም ዝተመርመረን ከም ዝተኣረመን ክትፈልጡ ምኽኣልኩም፡ ቕሳነት ኣእምሮ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ነቲ መመልከቲ (ፎርምታትን ደገፍቲ ሰነዳትን) ንምርምር። ኣብቲ መመልከቲ ፎርም ዝረኸብናዮ ጌጋታትን ጉድለታትን፡ ዝእርም ምኽሪ ብጽሑፍ ንህብ፡፡ ኣብቲ ደረጃ ብቕዓትን ብዝሕን ደገፍቲ ሰነዳትን’ውን ርእይቶታትና ንህብ። ብድሕርዚ’ ግዳ፡ ነቲ ብዓማዊል ዝተዳለወ መመልከቲ (application package) ናብ ቤት ጽሕፈት ምስዳድን፡ ካብኡ ቀጺሉ ምስቲ ቤት ጽሕፈት ዝግበር ምጽሕሓፋት ምክያድ፡ ናይቶም ዓማዊል ሓላፍነት ይኸውን። እቲ ነቲ መመልከቲ ዳግማይ ምርኣይ / ምምርማር ዝኽፈል ገንዘብ፡ ኣብቲ ዓይነት ወይ ዓውዲ ኢሚግረሽን፡ ኣብቲ እቲ ጉዳይ ዝጠልቦ ክብደት ስራሕን ደረጃ ሕልኽልኻትን፡ ኣብቲ መመልከቲ ኣትዮም ዘለው ብዝሒ ሰባትን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራትን ዝተመርኰሰ ይኸውን።

ኣገልግሎት ምርኣይ

We are located at:

         777 8 Ave. SW, Unit 2300/45

         Calgary, AB T2P 3R5, Canada

         info@humanestmigration.com

         +1 403 474 0342

  Fax:               +1 866 906 0813

  WhatsApp:    +1 403 399 9739

Office Hours

 

   Mon - Fri     9:00 AM - 6:00 PM

   Saturday     By appointment only

   Sunday       Closed

Contact Us

© 2022 Humanest Migration Corp.

RCIC sign.jpg
Logo-CAPIC-2.jpg
bottom of page